Teachings

ሕብረት ምስ የሱስ ክርስቶስ 

1  ክ ፋ ል

መ እ ተ ዊ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝረኽብናዮ ሓድሽ ልደት፡ እቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ናይ መንፈስ ሕብረት ወይ ሓድነት ብዙሕ ይገልጽ እዩ። እቲ ካብ መጀመርታ ዝነበረ ናይ ኣምላኽ ዕላማ፡ ኩሉ ፍጥረት ናብዚ ሕብረት’ዚ ንምእታዉ’ዩ ነይሩ። ናይ ምድሓን ዕላማ ብዓቢኡ ምሕዳስ ናይቲ ብምኽንያት ውድቀት ካብ ኣዳም ዝጠፍኤ ሕብረት እኳ እንተኾነ፡ እዚ ኣብ ክርስቶስ ዝርከብ ፍጹም ዝኾነ ሕብረት ግን እቲ ካብ መጀመርታ ዝነበረ ምኽሪ ኣምላኽ እዩ። 

ምኽንያቱ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ኩሉ ፍጥረት ካብ ክርስቶስ ብክርስቶስን ንክርስቶስን ዝተፈጥረ ስለ ዝነበረ። ወዲ-ሰብ ኣብ ሓጢኣት እንተዘይወድቕ’ውን ካብ ክርስቶስ ወጻኢ ነዚ ናይ ኣቦን  ውሉድን ሕብረት ኣይምረኸቦን ነይሩ። ምስጢር ውድቀት ወዲ ሰብ እምበኣር ኣብቲ ኣብ ገነት ኤደን ዝወሰዶ ምርጫ፡ ካብ ክርስቶስ ክፍለ ዝገበሮ ዉሳኔ እዩ ነይሩ። ካብዚ ናይ ህይወት ዓይኒ ማይ ዝኾነ የሱስ ክርስቶስ ወጻኢ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ሞት ዘሎ ምስሊ ህይወት እምበር፡ ህይወት ወይ ህያዉ ተባሂሉ ክጽዋዕ ኣይክእልን እዩ።

ትርጉምን ሓይሊን እዚ ኣብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ረኺብናዮ ዘለና ናይ ሓድነት መንፈስ፡ ብዙሕ እዋን ኣብ ምድረኻት ቤተክርስትያን ብፍሉይ ትኹረት ክስበኽ ስለ ዘይንሰምዖ ግን፡ ህይወት ብዙሓት ተጽዕኖን ጽልዋን መንግስቲ ኣምላኽ ከግህዱ ዝተጸውዑ ወለዶታት ብድኻም ኪሓልፍ ከለዉ ኢና ንርኢ። ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ውዲት ናይ ዲያብሎስ ከኣ እቲ ኣብ ክርስቶስ ረኺብናዮ ዘለና ሕብረት መንነት ከይንፈልጥ ምእንቲ ዝኣልሞ ናይ ሓሶት ዉዲት እዩ። ንትርጉምን ሓይሊን ናይዚ ኣብ ምድሓን ተዋሂቡና ዘሎ ናይ ሓድነት ሕብረት ክበርሃልና እንተጀሚሩ፡ እንታይ ዝበለ ዕንወት ከነምጽኣሉ ከም እንኽእል ኣጸቢቑ ስለ ዝፈልጥ እዩ። ካብ ሓይሊ እዚ ሕብረት ዝተላዕለ፡ ክርስትና ናይ ክርስቶስ መልክዕ እነጸባርቐሉ መንገዲ እምበር፡ ንክርስቶስ ክንመስሎ እንጽዕረሉ መንገዲ ኣይኮነን።

እምበኣር ብመጀመርታ ሕብረት ወይ ሓድነት ዝብል ቃል ኣብዚ ትምህርቲ ካብ ትርጉሙ ምጅማር ኣገዳሲ ይገብሮ። ምኽንያቱ ሓይሊ ዝኾነ ቃል ኣብ ትርጉም ተሰዊሩ ስለ ዝርከብ። ስለዚ ናይ ሕብረት ትርጉም ክንምልከት ከለና፡ ኣብ መንጎ ክልተ ወይ ካብ ክልተ ንላዕሊ ዝርከብ ናይ ሱታፌ ሓድነት እዩ። ኣብ ንሓድሕዶም ምምቓልን ሱታፌን ዘለዎም ኣካላት ኣብ ሕብረት ወይ ሓድነት ኣለዉ ክንብል ንኽእል። እምበኣር ሕብረት ዝበሃል ቃል ኣብ መንጎ ካብ ሓደ ንላዕሊ ዝኾኑ ኣካላት ዝርከብ ናይ ሓድነት ተሳትፎ ወይ ምዉህሃድ ዘርኢ ቃል እዩ። ካልኦት ቃላት’ውን ከም ውህደት፡ ሓድነት፡ ስምረት፡ ምድማር፡ ተመሳሳሊ ትርጉም ዘለዎም ቃላት’ውን ንረክብ ኢና።

ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እታ ንሞት ኣሕሊፎም ዝህብዎ ግዜ ከም ዝበጽሔት ምስ ረኣየ፡ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ፡ ንብዘሎ ናይ ምድሪ ኣገልግሎቱ ዘጠቓልል ጸሎት ኬዕርግ ከሎ፡ ከምዚ ኢሉ ጸልዩ ኣሎ።

“ዓለም፡ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ፡ ምእንቲ ኽትኣምንሲ፡ ዎ ኣቦይ፡ ከምቲ ንስኻ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ፡ ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑ፡ ኲላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እልምን ኣሎኹ።” ዮሃ17:21

ልክዕ ከምቲ ኣብ ማእከል ስላሴ ዘሎ ናይ ሕብረትን ሓድነትን ሱታፌ፡ ከምኡ ድማ ንሕና ኣብኦም ሓደ ኮይንና ክንሳተፍ እዩ ዝጽሊ ዘሎ። ካብ መጀመርታ ነዚ ኣብዚ ሕብረት ዘሎ ክቡር ናይ ኣቦን ውሉድን ሱታፌ ምእንቲ ከነስተማቕሮ፡ ኣቦ ብዙሓት ፍቕሩን ክብሩ ዘንጸባርቑ ውሉድ ክህልውዎ ምእንቲ ኢና ዝተፈጠርና። ነዚ ምኽንያት ከኣ’ዩ እቲ ሓደ ወዱ ኣብተን ዳሕሮት መዓልታት ናብዚ ምድሪ ዝተጋህደ።

ክርስትና ካብዚ ሕብረት ዝምንጩ ህይወት እምበር፡ ኣብቲ ባህሊ ሰብ ዝምህሮ ምግባርን ዘይምግባርን ዝምርኮስ እምነት ኣይኮነን። ኣብ መንነት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ሕቡራት ምእንቲ ክንከውን ኢሉ’ዩ ከም ሰብ ኮይኑ ሓቢሩና። ካብቲ ምስ ቀዳማይ ኣዳም ዝነበረና ሕብረት ዝተላዕለ፡ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን ኣባና ዝዓዪ ዝነበረ። ሕጂ ግን ብክርስቶስ ጽድቒ ኣምላኽ ስለ ዝረኸብና፡ በቲ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ዘሎ ሕጊ መንፈስ ህይወት ምስ ኣምላኽ ናይ ጽድቂ ሕብረት ኣሎና። ስለዚ መንነትና ካብዚ ሕብረት እዩ ዝጅምርን ዝትርጎምን።

በቲ ኣብ ክርስቶስ ዝረኸብናዮ ጽድቂ ምእንቲ ክንመላለስ፡ ቃል ኣምላኽ ደጋጊሙ በቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ሓቂ ርእስና ክንቆጽር ይምህረና እዩ። ኣብ ሞትን ትንሳኤን ጐይታና ሕቡራት ስለ ዝኾንና፡ ኣብዚ ሕብረት ዘሎ መንነት ብመንፈስ ቅዱስ ተገሊጹልና፡ ህይወትና ኣብ ህይወት የሱስ ክርስቶስ ተዋሒጣ፡ ህይወቱ እናገለጽና ክንመላለስ ኢና ተጸዊዕና። እምበኣር ሓይሊ እዚ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ረኺብናዮ ዘለና ናይ ሓድሽ ፍጥረት ሕብረት መንነት እንታይ ምዃኑ ኣዒንቲ ልቦናና ክበርሃሉ ከሎ፡ እቲ ንሲኦልን ሞትን ዝሰዓረ ዘይሓልፍ ሓይሊ ህይወት ዘለዎ ናይ ትንሳኤ ሓይሊ ኣብ ህይወትና ዝግለጽ።

እምበኣር ኣብዚ ትምህርቲ ነቲ ኣብ ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ተዋሂቡና ዘሎ ናይ ሕብረት መንነቱ፡ ናይ ውልድነት ሓይሊ ክንምርምሮ ኢና። ኣብዚ ትምህርቲ ናይቲ ሓድሽ ፍጥረት ወሰንቲ ሓቅታት ክንምርምር ኢና። 

. . . ይቕጽል


2  ክ ፋ ል

ናይ ሓድነት መንነት

ወዲ ሰብ ብባህሪኡ መንነት ከንጸባርቕ ዝተፈጥረ ፍጡር እዩ። እዚ ሓደ ካብቲ ዕላማ ምፍጣሩ እዩ። በዚ ዕላማ መሰረት ድማ መልክዕን ምስልን ኣምላኽ ንከንጸባርቕ እዩ ዝተፈጥረ። ካብቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ሕብረት ዝተላዕለ፡ ናይ ኣምላኽ ክብርን መንነትን ሒዙ ክመላለስ እዩ ተፈጢሩ። ኣዳም ካብዚ ህያው ሕብረት ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ፡ መንነቱ ካብ ነጸብራቕ ህይወት ኣምላኽ ናብ ነጸብራቕ ሞት እዩ ተለዊጡ።

እምበኣር መንነት ናይ ሰብ ካብ ስራሕ ወይ ግብሪ ዝምንጩ መንነት ዘይኮነ፡ ካብ ናይ ኣካል ሕብረት ዝምንጩ መንነት እዩ። ከምቲ ጨንፈር ኣካል ናይቲ ጉንዲ ብምዃና ከም ሓንቲ ኣካል ጌርና እንርእያ፡ ከምኡ ድማ ንሕና ምስቲ ርእሲ ዝኾነ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሓደ ኣካል ኮይና ኣለና። እዚ ሓደ ካብቲ ሓድሽ ኪዳን ዝምህረና መሰረታዊ ሓቅታት እዩ። 

እዚ ዓይነት ሓድነት’ዩ ጽድቂ ኣምላኽ ኣብ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ክንረክብ ኣብቂዑና ዘሎ። እዚ መንነት እቲ ብክርስቶስ ኣቢልና ኣብቲ ናይ ሰማይ ኣቦና ረኺብናዮ ዘለና ሕብረት እዩ ዘብርሃልና። ኣብ ክርስቶስ ስለ ዘለና፡ ኣምላኽ ብፍጽምቲን ዘይቅድመ-ኩነታዊትን ፍቕሪ ከም ዘፍቅረና፡ ብምልኣት ኣብ ወዱ ከም ዝተቐበለና ይምህረና። እዚ መንነት’ዚ ከም መሬታውያን ዘይኮነ፡ ከም መንፈሳውያንን ሰማያውያንን መንነት ዘለና ውሉዳት ኣምላኽ ምዃንና ንሕልናና የንቅሖ። 

በዚ ኣብ ክርስቶስ ረኺብናዮ ዘለና ሕብረት ብንቑሕ ሕሊና ክንመላለስ ከለና፡ ኣምላኽ ብመንፈሱ ኣብ ውሽጠና ወትሩ ይዓይን ይንቀሳቐስን ከም ዘሎ ተረዲኡና ብእምነት ክንመላለስ ንጅምር። መንፈሳዊ ህይወትና ብመጠን ካብዚ ኣብ ውሽጠና ኮይኑ ዝዓዪ ዘሎ ቅዱስ መንፈሱ፡ ኣብዚ ምድሪ ክግለጽ ይጅምር። ዕምቆት እዚ ሕብረት መንነት ብዝተረደኣና መጠን ድማ፡ እዚ መንነት ብዛዕባና ዘይኮነ፡ ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ኩሉ ብዛዕባ ክርስቶስ ጥራይ ምዃኑ፡ ክርስቶስ ኩሉን ኣብ ኩሉን ዝግለጸሉ ህይወት ሒዝና ክንመላለስ ንጅምር። ምኽንያቱ ኣብዚ ሕብረት እቲ ካብ መሬት ወይ ካብ ኣዳም ዝጅምር ዘበለ ኩሉ ታሪኽና፡ ምስ ክርስቶስ ከም ዝተሰቕለን ከም ዝሞተን ኣጸቢቕና ክንርኢ ስለ እንጅምር እዩ። 

እዚ ልዕል ኢልና ዝረኣናዮ ሓሳባት ብቓል ኣምላኽ ኣጸቢቕና ቅድሚ ብዕምቆት ምምርማርና፡ ናይ ክርስትና ምስጢር ኣብቲ ድሮ በቲ ኣብ መሰቀል ዕዮ ምድሓንና ዝፈጸመልና የሱስ ክርስቶስ እዩ ከም ክቡር መዝገብ ተሰዊሩ ዝርከብ።

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰብ ክልተ ናይ መንነት መግለጺ ሓረጋት እዩ ዘሎ። እቲ ቀዳማይ ኣዳምን እቲ ካልኣይ (ወይ ዳሕረዋይ) ኣዳምን ድማ ተባሂሎም ይጽውዑ። እቲ ኣረጊት ሰብ ወይ ድማ እቲ ሓድሽ ፍጥረት ተባሂሎም’ውን ብካልእ መገዲ ይግለጹ እዮም። ከምኡ’ውን እቲ ሰጋዊ ሰብን እቲ መንፈሳዊ ሰብ፡ እቲ መሬታዊ ሰብን እቲ ሰማያዊ ሰብ ተባሂሎም ይፈላለዩ። ምኽንያት ናይዚ ከምዚ ዝበለ መግለጺታት እንታይ’ዩ እንተኢልና፡ እቲ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ዓሌት ዘሎ ናይ ዘርኢ ፍልልይ ዘስዕቦ መንነት እዩ። መንነት ናይ ሰብ ኣብ መወዳእታ፡ ካብ ባህሪይ እዞም ክልተ ዘርኢ እዩ ዝትርጎም።

. . . ይቕጽል


3 ክፋል

ናይ ሓድነት መንነት 

ናብዚ ዓለም ክንውለድ ከለና ካብቲ ቀዳማይ ኣዳም ወጻኢ ንክንውለድ ምርጫ ኣይነበረና። እቲ ኣዳም ዝመረጾ ምርጫ፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ ኩላትና ደቂ ሰባት ኣብ ጸልማት፡ ኣብ ትሕቲ ኩነኔ ሓጢኣትን ሞትን ኣቲና። ንሕና ከም ዘርኢ ኣብ ሕቖ ኣዳም ስለ ዝነበርና፡ መንነትና ኣብ ኣዳምን ብኣዳምን እዩ ተመሪጹልና።

እምበኣር ኣብ መስቀል ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ነቲ ካብ ኣዳም ዝተቐበልናዮ ኣረጊት ሰብና ቀቲሉ፡ ብመልክዑ ዝተወልደ ሓድሽ ፍጥረት፡ ምስኡ ብመንፈስ ጥቡቕ ሕብረት ዘለዎ መንነት እዩ ሂቡና። ኣብ ክርስቶስ ብሞቱ ስለ ዝተጠመቕና፡ ኣብ ክርስቶስ ምሉእ ሕብረት ረኺብና ኣለና።

“ወይስ ብክርስቶስ የሱስ እተጠመቕና ዘበልና ዂላትና ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧  እምብኣርሲ ኸምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና።” ሮሜ 6፡3-4 

ኣብ ሞቱን ትንሳኤኡን ምስኡ ሓደ ስለ ዝገበረና፡ ናይ ሓድነት መንነትና ካብዚ ምስጢር እዩ ዝጅምር። ነዚ ጥምቀት ዝብል ቃል ከነጽንዕ ከለና ንረኽቦ ቃል baptō ( ባፕቶ) ዝብል ኮይኑ፡ ከምቲ ሓደ ልብሲ ሕብሪ ምእንቲ ክሰቲ ናብቲ ሕብሪ ዝመልአ መዕቆሪ ድሕሪ ምእላኽ፡ እቲ ልብሲ ሕብሪ ናይቲ ዝተኣለኸሉ፡ ዝተጠመቐሉ፡ ወይ ድማ ዝተቐብረሉ ሒዙ ዝወጽእ መስርሕ የስምዕ። ስለዚ ጥምቐት ማለት ናብ ሓደ ሓድሽ ቦታ ወይ ሃዋህው ኣትዩ፡ ሓደ ሰብ ወይ ሓደ ነገር ሕብረት ክምስርት ወይ መንነቱ ክልወጥ ከሎ ዘስምዕ ቃል እዩ። 

እምበኣር ምስ ክርስቶስ ብሞቱ ከም ዝተጠመቕና ቃል ኣምላኽ ክነግረና ከሎ፡ ኣብ መስቀል ሕቡራት ምዃንና እዩ ዘረዳኣና ዘሎ ማለት እዩ። ከምኡ ድማ ኣብ ትንሳኤኡ ብሓድሽ ህይወት ምእንቲ ክንመላለስ ሓደ ዝገብር ሕብረት ሂቡና ከምዘሎ ይነግረና። እምበኣር እቲ ሕጂ ተጠሚቅናሉ፡ ተቐቢርናሉ ወይ ድማ ተኣሊኽናሉ ዘለና ሓድሽ ቦታ ህይወት የሱስ ክርስቶስ እዩ። 

“እምብኣርሲ እቶም ብዙሓት በቲ ዘይምእዛዝ ሓደ ሰብኣይ ሓጥኣን ከም ዝዀኑ፡ ከምኡ ኸኣ ብምእዛዝ እቲ ሓደ እቶም ብዙሓት ጻድቃን ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ከምቲ ብሓንቲ ኣበሳ ናብ ኲሉ ሰብ ኲነኔ ዝመጸ፡ ከምኡ ድማ  ብሓንቲ ግብሪ ጽድቂ እቲ ምጽዳቕ ንህይወት ናብ ኲሉ ሰብ መጸ።” (ሮሜ 5:18-19) 

ስለዚ ንሓደ ሓጥእ ሰብ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ክኣምን ከሎ፡ ኣምላኽ ነዚ ሰብ እዚ ካብቲ ዝነበሮ ናይ ሓጢኣት መንነት ኣብ ሞት ወዱ የሱስ ክርስቶስ ብጥምቀት ቀቢሩ ሓድሽ ናይ ትንሳኤ መንነት ሒዙ ከም ዝወጽእ ይገብሮ። እቲ ኣማኒ ካብቲ ህያው ዝገብር ሕብረት ዝተላዕለ፡ እቲ ንሕጊ ሓጢኣትን ሞትን ባርያ ዝገብር ዝነበረ ሓይሊ ሓጢኣት ዝስዕር፡ ተማቓሊ መለኮታዊ ሓይሊ ዝኾነ መንነት ተዋሂብዎ ኣሎ።  

እምበኣር ኣብ ክርስቶስ፡ ኣብቲ ኣምላኽ ፍጹም ስምረቱ ዝገለጸሉ ወዱ፡ ስፍራ ምርካብና ኣብዚ ምድሪ እቲ ዝኸበረ ናይ ሓድነት መንነት ዘለዎም ሰባት ኮይንና ኣለና። ካብዚ ዝተላዕለ ኣብ ኣምላኽ ክበርስ ክለዋወጥ ዘይክእል ጽድቂን ሓይሊ ህይወትን ወረስቲ ኮይንና ኣለና። ናይ ሓጢኣትን ኣሰርን ሕልናን ዘይብሉ፡ ኣብቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ምእዛዝ ዝምርኮስ ናይ ጽድቂ መንነት ረኺብና ኣሎና። ካብዚ ዝተላዕለ እምበኣር፡ ንሕና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እንጽወዓሉን እንፍለጠሉን መንነት፡ ካብቲ ምስ ክርስቶስ ዘለና ሓድነት ዝብገስ እዩ።

. . . ይቕጽል


 4 ክፋል

ናይ መንነት ውግእ

ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ካብ እንርእዮ ዘየቋርጽ ሰልፊ ናይ መንነት ውግእ እዩ። ኣብዚ ምድሪ ኩሉ ሓይልታት መንነት ሰብ ንምግዛእን ንምዉናን እዩ ተሰሊፉ ዘሎ። እዞም ዝተፈላለዩ ሓይልታት ንመንነቶም ኣብ ሰብ ከንጸባርቑ፡ ነቲ ሓቀኛ ዝተፈጥረሉ መንነት ድማ ከጥፍኡ ካብ ጥንቲ ዝተበገሱ ናይ ጸልማት ሓይልታት እዮም። ነቲ ንመልክዕ ኣምላኽ ከንጸባርቕ ዝተፈጥረሉ ባህርይ ክቆጻጸሩ፡ በዚ ድማ ንስፍራ ኣምላኽ ክሻመዉ ዝፍትኑ ሓይልታት እዮም።

ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ሰይጣን ንሰብ ዝፍትኖ መገዲ ምልስ ኢልና እንተፈቲሽናዮ፡ ሰብ ነቲ መንነት ፍጥረቱ ክዝንግዕ እሞ፡ ነቲ በቲ ሰይጣን ዝህቦ ናይ ስሕተት መንነት ንርእሱ ክቕበላ ዝገብር እዩ ነይሩ። ሰይጣን ንሄዋን “ኣምላኽ ደኣ ካብኣ ምስ እትበልዑ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዚኽፈታ፡ ከም ኣምላኽውን ከም እትዀኑ፡” (ዘፍ 3፡4) ኢሉ ክምልሰላ ከሎ፡ ነቲ ኣምላኽ ዘቐመጦ ሓቀኛ መንነት ዝጻረር ካልእ ናይ ሓሶት መንነት ክዘርእ ከሎ ኢና ኣብዚ እንምልከት። ከምኡ’ውን ኣብዚ ምድሪ፡ ንሰብ ካብቲ ኣምላኽ ንወዲ ሰብ ዝመኽሮ ዕላማ ወጻኢ ንኽመላለስ ምእንቲ፡ ነዚ ሰይጣን ኣብ ገነት ኤደን ዘርኣያ መንነት ጌና ይሰርሓሉ እዩ ዘሎ። ኣብ ዓለምና ዘለዉ ህቡባት ሰባት ንርእሶም ከም ኣምላኽ ጌሮም ክሳብ ዝርእይዋ ልቦም ክሰልቦ ብዙሕ እዋን ተመልኪትና ኣለና። ብመልክዕ ህቡባት ሰባት ኣብዚ ምድሪ ከም ኣማልኽቲ ክኸብሩ ከለዉ እናርኣየ፡ ንብዙሓት በዚ ኣብታ ኣብ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ዘሎ መንነት ክመላለሱ ጌና ይዕድም እዩ ዘሎ።   

ኣብዛ ምድሪ ዝትንስኡ ዝወድቁን ጀጋኑ ተባሂሎም ዝጽውዑ ኩሎም ታሪኽ ዝሰርሑ ሰባት፡ ኣብዚ ምድሪ ብዙሕ ጽቡቕ ዝገበሩ ንሰብ’ውን ንቑም ነገር ኣርኣያ ዝኾኑ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። ብፍላይ ድማ እዞም ኣብ ጉዳይ ጥዕና፡ ስነፍልጠታዊ ምርምራት፡ ካልእ ምህዞታትን፡ ጸጥታ ካልእን ህይወቶም ኣብ ሓደጋ እናእተዉ ንህይወት ሰብ ውሕስነት ኣብ ምርግጋጽ ዝነጥፉ ብዙሓት ኣርኣያ ዝኾኑ፡ ኣብ ታሪኽ’ውን ዓበይቲ ኣሰር ሓዲጎም ዝሓለፉ ሰባት ኣለዉ። ብኣንጻሩ ግን ኣብ ዓለም ከም ኣማልኽትን ከዋኽብቲን ተባሂሎም ብዙሕ ዝዝመረሎም፡ ገጾም’ውን ኣብ ብዙሕ መወዓውዒ ክልጠፉ ዝውዕሉን እቶም ኣብ ናይ ምዝንጋዕ ጽላት ዝነጥፉ ሰባት እዮም።       

ክሳብ ክንድ’ዚ ገንዘብን ንዋትን እዛ ዓለም፡ ኣብዚ ናይ ምዝንጋዕ ዕዳጋ ዝጠፍእ ኢልና ክንሓትት ናይ ግድን’ዩ። ሰይጣን የዒንትን ኣእዛን ደቂ ሰባት ብምዉናን፡ ኣብ ሕልናና እቲ ንሱ ዝደልዩ ዓይነት መንነት ክቐርጽ ከም ዝኽእል ካብ ቅድም ኣትሒዙ ስለ ዝፈልጥ እዩ። በዚ ኣቢሉ ድማ፡ ነቲ ኣብ ክርስቶስ ረኺብናዮ ዘለና መንነት ምሉእ ቱኽረት ሂብና ከይንመላለስ፡ ኣብዚ ምድሪ ገለ ጎዲሉና ከምዘሎ ጌርና ክንመላለስ ምእንቲ ዘተሰኦ ወይ ዘበገሶ ኲናት እዩ።

. . . ይቕጽል


5 ክፋል

ምግሃድ ሓቀኛ ናይ ሓድነት መንነት 

እቲ ሓቀኛ ትርጉም ናይቲ ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ መንነት ኣብ ሕብረት መንፈሱ ኢና ነስተማቕሮ። ካብ መጀመርታ ምስኡ ቅኑዕ ዝኾነ ሕብረት ምእንቲ ክህልወና እዩ ጽድቁ ሂቡና ዘሎ። ካብዚ ጽድቂ ኣምላኽ ዝተላዕለ ብመንፈስ ምስኡ ክቡር ዝኾነ ሓደነት ሂቡና ኣሎ። ኣብዚ መንነት ድማ ብሕብረት መንፈሱ ካብ ሓደ ደረጃ ናይ ክብሪ ናብ ካልእ ደረጃ ንልወጥ ኣሎና፡ እዚ ድማ ካብቲ መንፈስ ዝኾነ ጎይታ ዝኸውን እዩ። (2ቆረ 3፡18)  

እምበኣር እቲ ኣብ ክርስቶስ ረኺብናዮ ዘለና ናይ ሓድነት መንነት፡ ሓደ ዝገብር ናይ መንፈስ ሕብረት ብውሕዱ ክልተ ኣካላት የድልይዎ። ሓደ በይኑ ሓድነት ክህልዎ ኣይክእልን እዩ። ብውሕዱ ካብ ክልተ ንላዕሊ ተዋሳእቲ የድልይዎ። ስለዚ ድማ ጎይታ ኣብዚ ሕብረት ክንጥቕለል ምእንቲ ብጽድቁ ገይሩ ስድራቤት ኣምላኽ ገይሩና ዘሎ። 

ትርጉም እዚ ናይ ሓድነት መንነት ኣባና ክግለጽ ምእንቲ፡ ገዛእ ርእስና እንምልከትሉን፡ መንነትና እንግንዘበሉን መገዲ ካብዚ ረኺብናዮ ዘለና ዘልኣለማዊ ሕብረት ጥራይ ዝብገስ ክኸውን ይግባእ። እቲ ዘዕብየና ባህሊ ዘይኮነ፡ ንክርስቶስ ለቢስና ክንመላለስ ኢና ተጸዊዕና። ምኽንያቱ ካብዚ ብርክስቶስ ረኺብናዮ ዘለና ናይ ሓድነት መንነት ወጻኢ ካልእ ምስ ኣምላኽ ክንራኸበሉ እንኽእል መገዲ ስለ ዘየለ። 

ኣምላኽ’ውን ሕጂ ካብታ ፍጽምቲ ፍቕሩ ዝተላዕለ፡ ኣብ ክርስቶስ እዩ ዝፈልጠናን ዝርእየናን። (1ዮሃ 4፡17)  ከምቲ ኣምላኽ ብወዱ ዝፈልጠናን ዝርእየናን ጌርና ብዘይለዋወጥ እምንቶ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንርእስና ክንቅበላን ክንቆጽራን ይግበኣና። እምበኣር እቲ መንፈሳዊ ውግእ ኣብዚ እዩ ዘሎ። እቲ ነዚ ውግእ እንስዕረሉ ኣጽዋር ድማ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ እምንቶ እዩ። ብኸምዚ መገዲ ኢና ነቲ ሓቀኛ ናይ ሕድነት መንነት ኣብዚ ምድሪ ንመላለሰሉ።

እዚ መንነት ካብ ጐይታ ዝምንጩ ስለ ዝኾነ፡ ጐይታ መን ከም ዝኾነን፡ ምእንታና ዝፈጸሞ ዕዮ ብዝተገልጸልና መጠን ድማ ንሕና ኣብዚ መንነት ንዓቢ ኣሎና።  ስለዚ እቲ ብጎይታ ረኺብናዮ ዘለና ሓድሽ ፍጥረት ምስ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ናይ መንፈስ ሓድነት ከም ዘለዎ፡ ኣብቲ ናይ ውሽጢ ሰብና መንፈስ ቅዱስ ክምህረናን ክገልጸልናን ነፍቅደሉ። ትርጉም ናይ ሓድሽ ፍጥረት ዝርደኣና፡ እቲ ኣብዚ  ኣብ ክርስቶስ ረኺብናዮ ዘለና መለለዪ መንነትና ክበርሃልና ከሎ እዩ።